Hoppa till innehållet

ኪቭራ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ

ኣብ ኪቭራ ኣገደስቲ ወረቓቕቲ ትረክብ፡ ንኣብነት ከም ፋክቱራታት፣ ቅብሊታት ከምኡ ዉን ካብ ኩባንያታትን ካብ ሰብ-መዝን ዝተላእከ ደብዳበታት።

Så funkar kivra

ኪቭራ እንታይ እዩ?

What is Kivra

ተቐቢልካ ዕቘር

ኪቭራ ኣገደስቲ ወረቓቕቲ ተቐቢልካ ንምዕቃብ ክትጥቀመሉ ትኽእል ሓደ ኣፕ (App) እዩ፡ ከምኡ ኽኣ ኣብ ኪቭራ ሰነዳት ከተዉርድ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዓለም ኣብ ዘሎኻ ኣሊኻ ደብዳበታትካ ኣንብብ

ኣብ ኪቭራ ዘሎ ኩሉ ብኮምፒዩተር ወይ ብሞባይል፡ ኣብ ዝኾነ ቦታን ኣብ ዝኾነ እዋንን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፡ ኪቭራ ናይ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ስለዝኾነ፡ ኣካላዊ ኣድራሻኻ ቁምነገር የብሉን፡ እንድሕሪ ኣድራሻ ቀይርካ ወይ ተንቀሳቒስካ እዚ ንኪቭራ ጽልዋ ኣይገብረሉን ማለት እዩ።

ኣብ ኪቭራ እዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል፡

ዲጂታላዊ ቡስጣ

ካብ ኩባንያታትን ሰብ-መዝን ዲጂታላዊ ቡስጣታት ይመጸካ፡ ንኣብነት ካብ ሰብ-መዚ ግብሪ ማለት ስካተቨርከት ከምኡ ዉን ካብ ናይ ማሕበራዊ ዉሕስና ካሳ ማለት ፎርሼክሪንግስካሳ።

ዲጂታላዊ ቅብሊታት

ድኳናት ኣብ ክንዲ ናይ ወረቐት ቅብሊት ዝህቡኻ እቲ ቅብሊት ኣብቲ ናትካ ኣፕ ይሰዱልካ።

ዲጂታላዊ ፋክቱራታት

ፋክቱራታት ብቐጥታ ኣብ ኪቭራ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ።

ዲጂታልዊ ናይ ደሞዝ ቅብሊት

እንድሕሪ እቲ ዉሃብ ስራሕካ ኪቭራ ዝጥቀም ኮይኑ እቲ ናይ ደሞዝካ ቅብሊት ኣብቲ ኣፕ ይመጸካ።

ምዉራድ ዳዉንሎድ

ወረቓቕቲ ናብ ኪቭራ ከተዉርድ ማለት ዳዉንሎድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ድሓር እቲ ዘዉረድካዮ ወረቓቕቲ ከም ዲጂታል ይዕቀብ።

ምስ ኪቭራ ብዉሕስነት ቅሰን

Viktigt ID-säkerhet – img

ኪቭራ ዉሑስ እዩ

ድሕንነት ንዓና ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ኪቭራ ዘሎ ትሕዝቶኻ ብጀካኻ ካልእ ማንም ክሪኦ ወይ ክኣቱ ዝኽእል የለን፡ እዚ በቲ ናትካ ናይ ሞቢል ባንክ ኣይዲ (Mobilt BankID) ጌርካ ክትኣቱ ትኽእል፡ ነቶም ብኪቭራ ጌሮም ዝሰዱልካ ልኣኽቲ ኩሎም ክትኣምኖም ትኽእል ኢኻ፡ ትሕዝቶ ናይ ደብዳበታትካ ብፍጹም ኣይነንብቦን ኢና፡ እቲ ዝስደድ ኩሉ ብምስጢራዊ ኣጸሓሕፋ krypterat ዝሰፈረ ኾይኑ ኣብ ናይ ሽወደን ጭብጥታት ማእከል እዩ ዝኽዘን።

ምክትታል ኪቭራ ቀሊል እዩ

ደብዳበታትን ፋክቱራታትን ብቐሊሉ ከም ትዝክር ኢና ንገብር፡ ዝኾነ ሓድሽ መልእኽቲ እንድሕሪ ድኣ መጺኡካ ከይደንጎና መይል ንሰደልካ፡ ንዘይ ኣንበብካዮን ዘይኣለኻዮን ቡስጣ ዉን ክትዝክሮ ምእንቲ መዘከርታ ንሰደልካ ኢና፡ ነቲ ናህና ኣፕ ንምዉራድ ኣይትረስዕ ከምኡ ድማ መዘከርታ (notiser) ኣንጥፍ፡ እዚ ምስ ገበርካ ገለ ሓድሽ መልእኽቲ ከም ዝመጽካ ብቕጽበት ትፈልጥ።

ኪቭራ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ትረክብ

ኪቭራ ክትረክብ ብመጀመርያ ናይ ሽወደን ዉልቃዊ መለለይ ቁጽሪ ማለት ፐርሹን ኑመር ከምኡ ዉን ሞቢል ባንክ ኣይዲ ክህልወካ ኣለዎ፡ ድሓር ነቲ መጠወቒ ጠዊቕካ ነቲ መምርሒ ተኽተል፡ ቁልጡፍ እዩ።
Läs mer villkor

ናይ ኣጠቓቕማ ዉዕላትና

ኪቭራ ምስ ኣጥረኻ ቡስጣታት ብመልክዕ ድጂታል ብኪቭራ ኣፕ ክመጸካ ክጅምር እዩ፡ ሓደ ሓደ ኩባንያታት ብኪቭራ ኣይልእካን እየን፡ ካብኦተን ብመልክዕ ናይ ወረቐት ቡስጣ ኣብ ናይ ቡስጣ ሳጹንካ ይመጸካ፡ ነቶም ደብዳበታትካ ብኪቭራ ኣቢሎም ክሰድሉካ ትደልዮም ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ፡ እዚ ኣብት ቅጥዕታት (inställningarna) ኣቲኻ ትገብሮ፡ ኣጠቓቕማ ዉዕላትና ኣብዚ ኣንብብ።

ንዝኾነ ተወከሰና

ንዝኾነ ሕቶ ተወከሰና